Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ስራሕቲ ፀፅታ ውሽጢ ንውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ቡምባ ዝወርወረ ኣባል ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝወሰደሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ንጎሆ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ቀበሌ 01 ወይ ቀበሌ ኣዋሽ ሓይሊታት ፀፅታ ከባቢያዊ ዳህሳስ እንትገብሩ ኢዩ ከደር ቱሌ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ቡምባ ወርዊሩ ከምልጥ ክብል ስጉምቲ ዝተወሰደሉ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ህይወት ተጠርጣሪ እንትሓልፍ ቡምባ ካብ ዝተወርወረሎም ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ሓደ ጉድኣት ስለዝበፅሖ ኣብ ሆስፒታል መልክ ኦዳ ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ሻሸመኔ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሎ፥ ኣብ ኢድ ተጠርጣሪ ተወሳኺ መሳርሒ ኲናት ተረኺቡ ኢዩ።

እቲ ከድር ቱሌ ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ታሴርኡ ናይ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሸርካ ነባሪ ከምዝኾነ ዘርእይ እንትኸውን፥ ክልተ ሞባይል፣ መትሓዚ ገንዘብን ዕጥቂን  ሒዙ ነይሩ ተባሂሉ።

መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያ ከምኡውን ፌዴራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብምውዳድ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ከተማ ሻሸመኔ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ንቡር ሰለማዊ ምንቅስቓሳ ትምለስ ዘላ እንትትከውን፥ ቅድመ ሐዚ ንዝዓነዉን ጉድኣት ንዝበፅሖምን ድጋፍ ናይ ምግባት ተግባር ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ነባሪ እታ ከተማ ምስ ሓይሊ ፀፅታ ተናቢቡ ይሰርሖ ብዘሎ ስራሕቲ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ኢዮም ዝበለ ፖሊስ፥ ዝተወረሩ ንብረታት እውን ይምለሱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.