Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ንጉሆ ካብ ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ በረራ ዝነበሩ ተሳፈርቲ 10 ሺሕ ዶላር ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ንጉሆ ካብ ኣሜሪካ ዋሸንግተን ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ በረራ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ 10 ሺሕን 400 ዶላር ብምትእኽኻብ ብ ‘ኣይዞን ኢትዮጵያ’ ኣካውንት ድጋፍ ገይሮም።

ነቲ ድጋፍ ዘተሓባበሩ ኣብቲ በረራ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ተጓዓዝቲ እንትኾኑ፤ ኣብ ቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ‘ኣይዞን ኢትዮጵያ’ ሒሳብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣታዊ ገይሮምዎ።

ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝተገብረሎም ፃውዒት ምላሽ እናሃቡ ይርከቡ።

ናብ ሃገር ዝኣትዉ ድማ ኣብ ዝተሰናኡ ማእኸላት ምትእኽኻብ ሓገዝ በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት መሊስካ ምጥያሽን ንዝዓነዉ ትካላትን ድጋፍ ይገበሩ ኣለዉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.