Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ዝፀደቑ ሹመታት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና እንትላዘበሉ ድሕሪ ምፅናሕ ዝተወሰኑ ከምዝኾኑ ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ዝፀደቑ ሹመታት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና እንትላዘበሉ ድሕሪ ምፅናሕ ዝተወሰኑ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ሻድሻይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መበል ሳልሳይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 15 ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣብ ዘፅደቐሉ እዋን ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ እቲ ፓርቲ ካብ መንጎ ብዙሓት ሕፁያት ብዘለዎም ልምዲ ንኢትዮጵያ ምግልጋል ዝኽእሉ ሕፁያት ናብ ቅድሚት ንምምፃእ ዝወሰነሉ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ካብ መንጎ እቶም ተሸየምቲ እቶም ክልተ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ወፃእ ምዃኖም ንኢትዮጵያ ቀዳምነት ዝተውሃበሉን ልምዲን ፍልጠትን ጥራሕ መዐቀኒ ዝኾነሉን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካብ ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎም ናብ ቅድሚት ምምፃእ ከምዝቕፀለሉ እውን ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና ብመሰረት ዘለዎ ባህሊ ምትኽካእ ነበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ካብ ኣፈፃሚ ስራሕ ብኽብሪ ምስንባቱ ተዛሪቦም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፥  ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምኡ ውን ዶ/ር መቅደስ ዳባ ሚኒስትር ጥዕና ብምዃን ንክሽየሙ ዝቐረበሉ ሹመት መርሚሩ ምፅዳቑ ይዝከር።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.