Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ናብ ከተማ ደሴ ዝኣተወ ልኡኽ ዩኒሴፍ ምስ ከንቲባ ከተማ ደሴ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዴል ኮደር ንተመዛበልቲ ምስጎብነዩ ምስ ከንቲባ ከተማ ደሴ ተዛቲዮም።

ኣዴል ኮደር ኣብ ዑደቶም ልቢ ዝነክእ ኩነታት ተመዛበልቲ ከምዘሕዘኖምን ኣብ ዘተኦም ገሊፆም።

ብፍላይ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ከምዘረጋገፁ እውን ኣብሪሆም፡፡

ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተዓዚብና ኢና ዝበሉ እቶም ተወካሊ፥ ዩኒሴፍ እውን ዝኸኣሎ ኩሉ ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ዩኒሴፍ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ንተመዛበልቲ ዞባ ሰሜን ወሎ መሰል ሓገዛት ንምግባር ንምንታይ ደንጒኹም ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም፥ ኩነታት ኲናት ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ እምበር ኣይንጎናን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ሓገዝ እናገበርና ፀኒሕና ኢና ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.