Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ንኢትዮጵያ መእተዊ ብርሃን ኢዩ’ሞ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ሎሚ መዓልቲ ንኢትዮጵያ መእተዊ ብርሃን ኢዩ’ሞ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስርሑ ምጅማሩ ብምምልካት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “እዚ ንኣህጉርና ከምኡ እውን ሓቢርናዮም ሰሪሕና ብሓባር ንምጥቃም ንእንደሊ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዓብዪ ብስራት ኢዩ” ኢሎም።

ኣባይ ንሃገርና ኣልሚዑ ጎረባብትና ንኸዕግብ ጉዕዝኡ ከምዝቐፀለ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ሎሚ መዓልቲ ንኢትዮጵያ መእተዊ ጩራ ብርሃን ኢዩ’ሞ መላእኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለና!” ክብሉ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ካብ ሓሳቡ ጀሚሩ ክሳብ ምዕዋቱ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መራሕቲ ሃገርን ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያን እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ እዋኖም እቲ ፕሮጀክት ምፍፃም ኣይኽኣሉ እምበር ቀፃሊ ወለዶ ክሃንፆ ኢዩ ኢሎም ብምእማን ሓሳብ እቲ ፕሮጀክትን ዲዛይንን ብምሕንፃፆም ምስጋና ከምዝግበኦም ገሊፆም፡፡

“ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ድማ ግዚኡ ሕዚ ኢዩ ኢሎም እቲ ፕሮጀክት ብምጅማሮም ምስጋና ይግበኦም” ኢሎም ዶክተር ኣቢይ፡፡

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ስራሕቲ ህንፀት እቲ ፕሮጀከት ክቕፅል ብምግባር ናይ ባዕሎም ሃናፂ ኣስተዋፅኦ ብምግባሮም ብምምስጋን፥ “ሰለስቲኦም ኣመራርሓታት ንሕና ንውፅኢት ክነብቀዖ ምምስጋን ይግበአና” ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብተመሳሳሊ፥ ንሰብ ሞያ፣ ኣመራርሓታት ቦርድ እቲ ግድብን ሰራሕተኛታትን፣ ሰራዊት ምክልኃልን ሓይሊታት ፀፅታን ከምኡ እውን መላእ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣመስጊኖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ምስጋና ካብ ሞንጎ ዘቕረቡሎም ካልኦት ኣመራርሓታትን ኣካላትን፥ ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑ፣ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፣ ዶክተር ምህረት ደበበ፣ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፣ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፣ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኢንጂነር ኣዜብ ኣስናቀ፣ ኣይተ ግርማ ብሩን ኣባላት ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ይርከቡዎም፡፡

ብፍላይ ንዕዉትነት ግድብ ህዳሰ ሓገዝ ፍልጠትን ገንዘብን ንዘበርከቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ብቤላቤሎ ከምዝበሃል ኢትዮጵያ ንዜጋታት ተፋሰስቲ ሃገራት ማይ ከይረኽባ ብምግባር ክጠምዩ ትገብር ሃገር ከምዘይኮነት ሎሚ መዓልቲ ብተግባር ኣርኢያ ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ እዚ ድማ ሓበራዊ ዓወት ስለዝኾነ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንዝኾነ ይኹን ናይ ምጉዳእ ዕላማ ከምዘይብላ ብምግላፅ፥ ዋና ዕላማኣ ክሳብ ሕዚ ብስእነት ቀረብ ሓይሊ እናተሳቐዩ ንዝርከቡ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ንምፍታሕን ካብ ድኽነት ምውፃእ ከምዝኾነ ተፋሰስቲ ሃገራት ክግንዘባ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.