Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምትካል ኣብ ሓደ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልስታት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ መልላእ ሃገር መርሃ ግብሪ ምትካል ኣብ ሓደ ፀሓይ 600 ሚሊየን ፈልስታት ክካየድ ኢዩ።

ሎሚ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ምድላዎም ምዝዛሞም ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ ኣብ ሓደ ፀሓይ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር 317 ሺሕን 521 ሄክታር መሬት ምድላዉ ዝገለፀ ሚኒስቴር ግብርና፥ ንተኸላ ዝኸውን ፈልስታት ኣብ ቀረባ ቦታታት ከምዝተዳለወ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመር(ዶ/ር) ነቲ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብሓደ መንፈስ ኣብ መልላእ ኢትዮጵያ ኣሰርና ነንብር፣ ሓደ እንተኾይንና ካብዚ ንላዕሊ ንኽእል ኢና ምባሎም ይዝከር።

ዓበይቲ ልዕሊ 20፣ ሰገናት ልዕሊ 10 ፈልስታት ብምትካል፥ ንሃገር ዘለና ፍቕሪ፣ ንትውልዲ ዘለና ውህብቶ ኣብ ግቡእ ስፍራ ንግለፅ ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.