ልዕ 206 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ሃገር ኣቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ልዕሊ 206 ሺሕ ሜትክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ካብ ወደብ ጅቡቲ ተጓዓዒዙ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጰያ ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 7 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዘሎ ከይዲ ስራሕ ምጉዕዓዝ ዘበናዊ ዱኽዒ ብዝምልከት ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጰያ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፤ ብ6 መራኽብ ዝተፃነ 313 ሺሕን 260 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ገሊፁ።
ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 206 ሺሕን 267 ሜትክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ እንትኸውን፤ 106 ሺሕን 993 ሜትሪክ ቶን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።