ልዕሊ 9 ሺሕ ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ሽጉጥ ተታሒዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ኣንጎት ልዕሊ 9 ሺሕ ዘይሕጋዊ ጠያይጢ ሽጉጥ ምስ ክልተ ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡
ንጥፍኣት ዕላማ ክውዕል ዝነበረ እቲ ጥይት መበገሲኡ ከተማ ጎንደር ብምግባር ናብ ወልድያ-ደሴ እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረት ሚኒባስ ብዝተገበረ ፍተሻ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡
መሰል ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻል ሕብረተሰብ ንኣካላት ፀፅታ ዝገብሮ ሓገዝ ንኸጠናኽር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡