Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 873 ሺሕ ልዕሊ 873 ሺሕ ናይ ሓሶት ዶላር ኣሜሪካ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ክፍለ ከተማ ኣዘዞ 873 ሺሕን 900 ልዕሊ 873 ሺሕ ናይ ሓሶት ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት 5ይ ፖሊስ ጣቢያ ከተማ ምምሐዳር ጎንደር ዋና ኢንስፔክተር ቻላቸው የኔነህ፥ እቲ ናይ ሓሶት ዶላር ካብ ሕብረተሰብ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ፖሊስ ብዝበፅሖ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፥ በዓል መዚ ጉምሩክ ፌዴሪኢ ጉምሩኽ ጣቢያ ጨንፈር ከተማ ጎንደርን ክፍፈሊ ሓበሬታ ላዕለዋይ መምርሒ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ብዝተሰርሐ ኦፕሬሽን ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

በቲ ጉዳይ ዝተጠርጠረ ሓደ ዋና ውለቀ ሰብ ምስ ካልኦት ተሓጋገዝቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን እቶም ዋና ኢንስፔክተር ኣፍሊጦም።

ዋና ተጠርጣሪው በተለያዩ አካባቢዎች በተለያዩ ስሞች የሚጠራ እና በሐሰተኛ መታወቂያዎች የሚንቀሳቀስ መሆኑን ኃላፊው አብራርተዋል።

እቲ ዋና ተጠርጣሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈላለየ ሽም ከምዝፅዋዕን ብናይ ሓሶት መታወቂያን ዝንቀሳቐስ ምዃኑን ኣብሪሆም።

ፖሊስ እታ ኸተማ ከምዝገለፆ፥ እቶም ተጠርጠርቲ 873 ሺሕን 900 ናይ ሓሶት ዶላር ኣሜሪካ ሓዊሱ ትሽዓተ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነሓስ፣ ገይፀ መይፂ፣ መዓድናት፣ ሓድጊ ቤተ ክርስቲያን ዝመስሉ ናይ ሓሶት ኣቑሑት፣ መራብሒ ማሽንን ካልኦት ኣቑሑትን ሒዞም ከምዝተትሓዙ ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.