Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 72 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 72 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኮሚሽን ጉምሩኽ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተገበረ ክትትል ልዕሊ 47 ነጥቢ 4 ብር ኣተው ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 24 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ዘውፅ ወፃእቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ተታሒዞም፡፡

ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብምቁፅፃር ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ሞያሌ፣ ኣዳማን ሃዋሳን አንትኾኑ፥ ብቕደም ሰዓብ 15 ነጥቢ 4 ሚሊየን፣ 12 ሚሊየንን 5 ሚሊየንን ብር ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮ ባንድ ክሕዙ ክኢሎም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ዝኸኣሉ ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩኽ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣባላት ፖሊስ ክልላትን ሕብረተሰብን ብሓባር ብዝገበሩዎ ፃዕሪ እንትኸውን፥ እቶም ኣቑሑት እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.