Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 7 ሚሊየን ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምውሳድ ምምዝጋቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 7 ሚሊየን ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምውሳድ ምምዝጋቦም ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ገሊፁ።

ኣገልግሎት ዲጅታል መንነት፥ “ሓደ ሰብ ሓደ ኢዩ” ዝብል መትከል ብምሓዝ መረዳእታ ውልቀ ሰባት ብምትእኽኻብ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ብምውዳድ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።

ከይዲ ምዝገባ ክሳብ ሐዚ ብዝሓሸ ብርኪ ይሳለጥ ከምዘሎ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 7 ሚሊየን ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምውሳድ ምምዝጋቦም ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.