Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 630 ሜትሪክ ቶን ትሕቲ ደረጃ ዝኾነ ፍርያት ናብ ሃገር ከይኣቱ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት ልዕሊ 630 ሜትሪክ ቶን ፍርያታት ትሕቲ ደረጃ ብምዃኖም ምኽንያት ናብ ውሽጢ ሃገር ከይኣትዉ ምግባሩ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ሕቶ 5 ሺሕ 713 ኣምፃእቲ ብምቕባል ልዕሊ 1 ሚሊየን 868 ሺሕ ሜትሪክ ቶን አገዳዲ ደረጃ ዝወፅአሎም ኣተውቲ ኣቑሑት ስራሕቲ ቁፅፅር ፅሬት ከምዝተወገነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

በዚ ድማ 630 ነጥቢ 21 ቶን ዝተፈላለየ ውፅኢት ምግቢ፣ ውፅኢታት ኮንስትራክሽንን ኬሚካልን ብዝተገበረ ፍተሻ ላቦራቶሪን ስራሕቲ ኢንስፔክሽንን ትሕቲ ደረጃ ከምዝኾኑ ተረጋጊፁ ናገር ከይኣትዉ ተኣጊዶም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ስራሕቲ ምርግጋፅ ፅሬት ተጠናኺም ከምዝቕፅሉ ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.