ልዕሊ 6 ሺሕ ከረጢት “ኦ” ደም ዓይነት ምእካቡ ኣገልግሎት ባንኪ ደም ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣገልግሎት ባንኪ ደም ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ልዕሊ 6 ሺሕ ከረጢት “ኦ” ደም ዓይነት ከምዘኣከበ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት፥ ሕፅረት “ኦ” ዓይነት ደም ኣጋጢሙዎ “ለገስቲ ደም ብፅሑ” ዝብል ፃውዒት ናብ ሕብረተሰብ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።
እቲ ፃውዒት ስዒቡ ድማ ብዝተረኸበ ምላሽ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ክዙን ናብ 15 መዓልቲታት ክብ ንኽብል ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።
ይኹን እምበር ሕዚ ዘሎ ክዙን ደም ን15 መዓልቲታት ጥራሕ ዘገልግል ስለዝኾነ፥ ዝግበር ልገሳ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፀዊዑ።
ፅዕንቶ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘሎ ፀገም ፀፅታን፤ ደም ባንኪታት ኣብዚ በጀት ዓመት ብሙሉእ ዓቕሞም ንኸይንቀሳቐሱ ፅዕንቶ ምሕዳሩ እውን ተሓቢሩ።
ኣብ ክልላት ዘለዋ ባንኪታት ደም ብእኹል ኩነታት ካብ ሕብረተሰብ ደም ምእካብ ንኽኽእላ እታወታት ካብ ምምለአን ብተወሳኺ ቴክኒካዊ ድጋፍ እናተገበረለን ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!