Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 560 ሺሕ ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 12ኛ ይወስዱ ኣለዉ – ትምህርቲ ሚኒስቴር

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 560 ሺሕ ተምሃሮ መልቀቒ ብሄራዊ ፈተና 12ኛ እናወሰዱ ከምዝኾኑ ትምህርቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምኡ እውን ሚኒስትር ዴኤታታት፤ ኣጀማምራ እቲ ፈተናን ሓፈሻዊ ከይዲን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ብምዃኑ ኣብ 130 ማእኸላት ልዕሊ 560 ሺሕ ተምሃሮ ብሄራዊ ፈተና 12ኛ ብዝተረጋገአን ብሰላማዊ መገዲን ፈተነኦም እናወሰዱ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት 976 ሺሕን 18 ተምሃሮ ፈተነኦም ከምዝወስዱ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምግላፁ ይዝከር።
 
ብመሰረት እዚ ዝተረፉ ተፈተንቲ ተምሃሮ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ዝወሃብ ዓውዲ ማሕበራዊ ሰይንስ ክፍተኑ ኢዮም።
 
ኣብ ዋና ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዝርከብ ድልድል ተጋህሚሱ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ተምሃሮ ሓደጋ ከምዘጋጠመ እውን እቶም ሚኒስር ሓቢሮም።

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ተምሃሮ ሓዘኖም ብምግላፅ፤ በቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም ተምሃሮ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ሓደጋ ዘጋጠሞም ተምሃሮ ምስ ሓወዩ ፈተነኦም ክወስዱ ከምዝግበር እውን ኣፍሊጦም፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.