Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 50 ሚኢታ ውፅኢት ዝረኸቡ ቁፅሪ ተምሃሮ 29 ሺሕን 909 ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ልዕሊ 50 ሚኢታ ውፅኢት ዝረኸቡ ተምሃሮ ቁፅሮም 29 ሺሕን 909 ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ትምህርቲን ኣገልግሎት ትምህርቲን ምዘና ፈተናታትን÷ ኣብ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ ኣወሃህባ ፈተና ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ዝተፈለየ ከምዝነበረን ብኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብመሰረት ዝገበርዎ ርብርብ ብዓወት ዝተዛዘመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ እዋን ፈተና እወን ምንም ዓይነት ስርቆት እንተይተገበረ ዝተዛዘመ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ሐዚ ዝወፅአ ውፅኢት ኣብ እዋን ፈተና ዝቐድሑ ዝነበሩ ተምሃሮ ብምውፃእ ብስርዓት ዝተፈተኑ ተምሃሮ ጥራሕ ዘካተተ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብሓፈሻ ንፈተና 985 ሺሕን 384 ተምሃሮ ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ካብ መንጎ እዚኦም ውፅኢት ፈተና ዝተትሓዘሎም ቁፅሪ ተምሃሮ 896 ሺሕን 520 ተምሃሮ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

እቶም 77 ሺሕን 98 ተምሃሮ ኣብ ፈተና ዘይተረኸቡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ 20 ሺሕን 170 ድማ ኣብ እዋን ፈተና ተረኺቦም ብዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ስነ ስርዓት ንከይፍተኑ ዝተገበሩን እቲ ፈተና ገዲፎም ናብ ገዝኦም ዝኸዱን ተምሃሮ ኢዮም ኢሎም።

ብሓፈሻ ብመሰረት ዝወፅአ ውፅኢት ፈተና ብብርኪ ሃገር ማእኸላይ ውፅኢት 29 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም። ብተፈጥሮ ሳይነስ ልዑል ውፅኢት 666 ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዘምፅኡ በዝሒ ተምሃሮ 29 ሺሕን 909 እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ካብ ድምር ተፈተንቲ 3 ነጥቢ 3 ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ትሕቲ 50 ሚኢታዊ ዘምፅኡ ተምሃሮ ናብ ዩንቨርስቲ ከምዘይኣትዉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ይኹን እንበር ናይተን ዩንቨርስቲታት ናይ ምቕባል ዓቕሚ ተራእዩ ብመሰረት ውፅኢቶም ተወሳኺ ተምሃራይ ብምቕባል ንቐፃሊ ዓመት ዩንቨርስቲ ምእታው ዘኽእል ውፅኢት ንክረኽቡ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.