ልዕሊ 451 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 451 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ
ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስቴር እቶት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ የካይድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ÷ ትካለን ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት “ብጎስጓስ ግብሪ ንኽብሪ ሃገር” ካብ ቢሊየን ናብ ትሪሊየን ኣታዊ ንምዕዋት ዝግበር ጉዕዞ ዕዉት እናኾነ ከምዝመፅአ ገሊፀን።
ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 6 ኣዋርሕ 445 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ 451 ነጥቢ 4 ቢሊየን ወይ እውን 101 ሚኢታዊ ናይ ዝተትሓዘ ትልሚ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን፡፡
ብዳዊት ጎሳዬ