Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 40 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ጅግጅጋ 40 ሚሊየን 125 ሺሕ ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

ብኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማሌን ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ጅግጅጋን ብዝተገበረ ቅብብል ሓበሬታን ስራሕቲ ክትትልን 26 ለካቲት 2016 ዓ.ም ሓደሽቲ ስማርት ስልኪታት ሞባይል ከምዝተትሓዙ ገሊፁ።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ዝኾነ ይኹን ስነ-ስርዓት ጉምሩኽ እንተይተፈፀመሎም ናብ ውሽጢ ሃገር እናተጓዓዓዙ እናሃለዉ ፍሉይ ሽሙ ጨረቴ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብኣባልት ፖሊስ እቲ ክልልን ብጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ጅግጅጋ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኸኣለ ሓበሬታ ሚኒስቴር የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.