Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ኣስኢኑ ኣብ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ክትስእን ገይሩ ኣብ ዝተብሃለ ሳሙኤል እጓለ ሰብ ክሲ ከምዝመስረተ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

እቲ ክሲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ ፍሉይ መጋባእያ ጉዳያት ገበን ዝቐረበ እንትኸውን÷ ተኸሳሲ ሳሙኤል እጓለ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ተኸሳሲ ሕጋዊ ፍቓድ እንተይሃለዎ ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን ሃገራት ዓረብን ዝርከቡ ውልቀሰባት ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ዝደልዩ ኣብተን ሃገራ ዝርከቡ ዘይተትሓዙ ተሓባበርቱ ገንዘብ ብምእካብ ዝለኣኸሎም ሰባት ስም ዝርዝር፣ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪን መጠን ገንዘብን ብዘመሓላልፉሉ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር እቲ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ  ብዙሓት ውልቀ ሰባት ብሽሙ ዝኸፈቶም ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪታት ብምጥቃም እናለኣኸ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ተኸሳሲ 182 ሚሊየን 993 ሺሕን 853 ብር 49 ሳንቲም ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝተለኣኸሎም ሰባት ከምዘመሓላለፈ ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.