Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 4 ሺሕ ፈረሰኛታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ‘ፈረስ ጉግስ‘ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 4 ሺሕ ፈረሰኛታት ዝተሳተፉሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ምርኢትን ውድድርን ‘ፈረስ ጉግስ‘ ኣብ ሰንዳፋ በኬ ተኻይዱ።

ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ደራራ ከተማ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ውሽጢ ባህላዊ ፍፃመታት ህዝቢ ኦሮሞ ፈረስ ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰንዳፋ በኬ ኣብ ዝተኻየደ ውድድርን ምርኢትን ‘ፈረስ ጉግስ‘ ልዕሊ 4 ሺሕ ፈረሰኛታት ከምዝተሳተፉ ብምሕባር፥ እቲ ኩነት ዓሞቕቲ ክብሪታት ዝተንፀባረቑሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ጎድና ጎድኒ እቲ ውድድር ባህላዊ ምግቢታት፣ ክዳውንቲ፣ ባህላዊ ናውቲን ካልኦት ሃፍቲታትን ንምርኢት ከምዝቐረቡ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.