Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 312 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 312 ነጥቢ 56 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ትካላት እቶት መንግስቲ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ የሳልጡ ኣለዉ።

ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 311 ነጥቢ 56 ቢሊየን ብር ሓፈሻዊ ኣታዊ ንምእካብ ተተሊሙ 312 ነጥቢ 56 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተዛሪበን።

ናይ ከፈልቲ ግብሪ ተገዛእነት ሕጊ ታክስ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ ከምዝግባእ ብምሕባር፥ ዝረአ ዘሎ ምሕባእ ታክስን ምድንጋርን ንምፍታሕ ካብዚ ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.