Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 31 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ልዕሊ ብር 31 ሚሊየን 641 ሺሕን 620 ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ዝተትሓዙ ኣቕሑት፥ ሓደሽቲን ኣረግቶትን ክዳውንቲን ጫማታትን፣ መነፀራት ዓይኒ፣ ኣቕሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ እዋኖም ዝሓለፈ ምግቢታት፣ መመላኽዒ ኣቕሑት፣ ዘይሕጋዊ መስርሒታት ኲናት፣ ተሸከርከርቲን ሓዊሱ ካልኦት ኣቐሑት ኢዮም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ባህር ዳር፣ ጅማ፣ ሑመራ፣ ድሬዳዋ፣ ሞያሌ፣ ኣዋሽ፣ ጋምቤላን ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ሂርና ከምዝተትሓዙ እውን ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ 161 ሺሕን 513 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ድሬዳዋ፣ ሑመራ፣ ቶጎ ጫሌን ጂግጂጋን ብዘይሕጋዊ መገዲ እናንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.