ልዕሊ 31 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 31 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።
እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ካብ 20 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ 2013 ዓ.ም ካብ ሃገር ክወፅን ናብ ሃገር ክኣትዉን ክብሉ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ፥ 31 ሚሊየን 59 ሺሕን 580 ብር ግምት ዘለዎም እናኣተዉ ካብ ዝነበሩ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፤ 550 ሺሕን 931 ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ድማ ናብ ወፃኢ ክወፅኡ ክብሉ ተታሒዞም።
ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ናይ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ፣ ወርቂ፣ ዝተፈላለዩ ክደውንቲ፣ ጫማ፣ ምግቢ ተንከፍ፣ መሳርሒታት ኲናት፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኮስሞቲክስ፣ ሽጋራ፣ ልባስ ዓለባ፣ መለዋወጢ፣ ኣፋውስን ካልኦትን ዝርከቡዎም እንትኾኑ፥ ሰለስተ ተጠርጠርቲን ታርጋ ዘይብለን ኣርባዕተ ሞተር ሳይክላት ሓዊሱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወራ ዝነበራ 11 ተሸከርከርቲ ከምዝተትሓዛ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።