Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 300 ቢሊየን ብር ዕድጊት ዲጂታል ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 .ም ልዕሊ 300 ቢሊየን ብር ዕድጊት ዲጂታል ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ በጀት ዓመት 2014 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት ናብ ዲጂታል ከምዝቕየሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ ህንፀት ሃገራዊ ዲጂታል ኢኮኖሚ ናብ ስራሕ ዝእትዉ ምዕሩይ ኩነታት ተፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ልውውጥ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሕጋዊ ዝገብሩን ምስ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት መንግስቲ ዘናብቡን ኣዋጃትን ኣሰራርሓታትን ንምትግባር ዘኽእል ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝተለኣኹ ኣብሪሆም።

ሓዱሽ ፓርላማ ስራሕ ምስጀመረ ፀዲቑ ቁልፊ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ክፅምበሩ ኢዮም ዝብል ትፅብት ኣሎ ተባሂሉ።

ስርዓት ዕድጊት ዲጂታል ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ብምቕማር ብምስጢርን ብጥንቃቐን ዝትግበር ከምዝኾነ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.