ልዕሊ 3 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ 2016 ዓ.ም ልዕሊ 3 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ተዛሪበን።
እተን ሚኒስትር፥ እቶም ዜጋታት ኣድላዪ ከእለት ንክውንኑ ናይ ምብቃዕ ተግባር ጠመተ ከምዝተውሃቦ ገሊፀን።
ብፍላይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናብ ወፃኢ ንምውፋር ኣድላዪ ምድላው ይትግበር ምፅንሑ ኣዘኻኺረን።
ስልጠና ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ብቑዓት ከምዝኾኑ ወረቐት ምስክር ነክረኽቡ ይግበር ኣሎ ኢለን።
314 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ዓዲ ተረባሕቲ ምዃኖም ሓቢረን።
እቲ ወፍሪ ስራሕ፥ ዜጋታት ድሕንነቶም፣ ዝረኽብዎ ረብሓን መሰልን ተሓሊዩ ንክሰርሑ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምፍፃሙ ኣብሪሀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።