ልዕሊ 294 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኮሚሽን ጉምሩክ ካብ 22 ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ልዕሊ 294 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ገሊፁ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ፥ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ናውቲታት ህንፀት፣ ቡና፣ ጥራምረ፣ ናውቲታት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዐወኒ ጫት፣ መድሓኒት፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ዝተፈላለዩ ተሽከርከርቲን ገንዘብ ወፃኢ ዓዲን ይርከብዎም።