Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 260 ካሻ ቡን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምሻጥ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 260 ካሻ ቡን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምኽዛን ንምሻጥ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

ተጠርጠርቲ ቡን ንምሻጥ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ፍቓድ ከምዘይብሎም ዝገለፀ ፖሊስ÷ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ፉሪ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ መኽዚን ቡን ከምዝኸዘኑ ሓበሬታ ከምዝበፅሖን ክትትል ምግባር ከምዝጀመረን ፀሪሑ፡፡

እቲ ቡን ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 3- A10225 ኢት ብዝኾነት ተሽከርካሪት ፅዒኖም ናብ ካሊእ ቦታት ብምውሳድ ንምሻጥ እንትንቀሳቐሱ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ወረዳ 2 ከባቢ ኣያት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ፡፡

ኣብ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ክፍሊ ምርመራ ሉይ ገበን ካብ በዓል መዓዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ተጠርጠርቲ ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ከምዘይብሎም ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ 267 ካሻ ብመሰረት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናብ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣታዊ ክኸውን ከምዝተወሰነ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.