Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 255 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ካናቢስን ካልኦት ናውቲታት ኮንትሮባንድን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምሽን ጉምሩክ ልዕሊ 255 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ካናቢስን ናውቲታት ኮንትሮባንድን ምትሓዞም ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮምሽን ካብ 18 ክሳብ 24 ጥቕምቲ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትልል፥ 144 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኣታዊ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን፣ ልዕሊ  195 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ወፃኢን ብሓፈሻ 339 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ብዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ጨንፈራት ምትሓዞም ገሊፁ፡፡

ኣብ ዉሽጢ እቶም መዓልትታት  24 ነጥቢ 1ን 8 ነጥቢ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ልዕሊ 255 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ካናቢስ ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሽሽ ካብ ሃገር ክወፅእን ክኣትን ክብል  ብጨንፈር ቤት-ፅሕፈት ጉምሩክ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ  ምትሓዙ ተገሊፁ፡፡

ካብ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክዳዉንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሸከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ መሳርሒ ኲናት፣ ጫት፣ መዐወኒ ሓሸሽ፣ ብልኢ ዘይቲን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ገንዘብ ከምዝርከብዎም ካብ ኮምሽን ጉምሩክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡  እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.