ልዕሊ 254 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም አቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 7 ክሳብ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም 254 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣታዊን ወፃኢን ኣቑሑት ኮንትሮባድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኪ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 17 ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባትን 8 ተሸከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ፡፡
ካብ ዝተትሓዙ ናውቲታት ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መለዋወጢ መኪና፣ ናውቲታት መመላክዒ፣ ጫት፣ መዐወኒ ሓሽሽ፣ መድሓኒትን ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘብን ከምዝርከብዎም ሓበሬታ ኮሚሽን ጉምሩኽ የመላኽት፡፡
ኣታዊን ወፃኢን ኮንትሮባንድ ብምቁፅፃር ኤርፖርት ኣዲስ ኣበባ፣ ሞያሌን ኣዳማን ቀንዲ ቦታታ እዮም፡፡