Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 198 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 198 ሺሕ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝተኽኣለ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግልጋሎት 265 ሺሕን 990 ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ተሊሙ ን198 ሺሕን 270 ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ምግባር ክኢሉ፡፡

ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸቡ ዓማዊል ቁፅሪ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ56 ነጥቢ 58 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ተገሊፁ፡፡

ቁፅሪ ሓደሽቲ ዓማዊል ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምዕባይ ብዝተሰርሐ ስራሕ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ዓማዊል ናብ 4 ሚሊየን 559 ሺሕን 345 ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ሓበሬታ እቲ ግልጋሎት የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.