Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ፍርያት ቡና ናብ ወፃኢ ተላኢኹ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ፍርያት ቡና ናብ ወፃኢ ምልኣኹ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ÷ መበል 21 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተለዓለ ሕቶታት ምላሽን መብራህርሂን እናሃቡ ይርከቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ፍርያት ቡና ዝተረኸበ ውፅኢት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ ቡና ድሕሪ ለውጢ 700 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ኣብ ዓመት ኤክስፖርት ይግበር ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍርያት ቡና ብልዑል ኤክስፖርት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ካብ ኤክስፖርት ቡና 1ነጥቢ 4 ቢሊየን ሸርፊ ወፃኢ ምርካቡ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ዓመት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

ሎሚ ዘበን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎ ፍርያት ቡና ናብ ወፃኢ ምልኣኹ ብምሕባር ÷ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዝተተለሞ ልክዕ 2 ቢሊየን ዶላር ቡና ኤክስፖርት ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመፀ በዝሒ ቁፅሪ ህዝቢን ተረባሕነት ቡናን ብዝምልከት መፅናዕቲ ከይተገበረ ቁፅሪ ተረባሒ እናወሰኸ ምምፅኡ ምፍላጥ ይከኣል እዩ ብምባል÷ እዙይ እውን ኣብ ቡና ሱር ቦቆስ ለውጢ ምምፅኡ ዘርእይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ቡና ካብ ካልኦት ፍርያታት ብዝበለፀ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ልዑል ተደላይነት ዘለዎ ፍርያት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.