Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 13 ቢሊየን ዘውፅኡ ፅሬቶም ዘይሓለዉ ፍርያታት ምግቢን መሳርሒታት ሕክምናን ናብ ሃገር ከይኣትዉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ ብር 13 ቢሊየን ዘውፅኡ ፅሬቶም ዘይሓለዉ ፍርያታት ምግቢን መሳርሒታት ሕክምናን ናብ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኣገዱ በዓል መዚ ምቁፅር ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ፅሬት ዘይብሎም ፍርያታት ምግቢን መሳርሒታት ሕክምናን ናብ ሃገር ከየኣትዊ ክእገዱ ዝኸኣሉ፥ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

14 ፍርያታት ምግቢ ናብ ሃገር ከየኣትዉ ከምዝኣገደ እውን እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናብ ሃገር ከየኣትዉ ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ መሳርሕታት ሕክምና፥ ናይ ኢድ ጓንቲታት፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ እውን መሳርሒታት መለክዒ ረስኒ ከምዝርከቡዎም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.