Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 1 ሚሊየን ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ልዕሊ ብር 1 ሚሊየን 80 ሺሕ ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኮድ 3 ኣብ ዝኾነት ናይ ፅዕነት መኪና እቶም ኣቑሑት ሒዙ ካብ ዞባ ባሌ ከተማ ሮቤ ናብ ከተማ ሻሸመኔ እንትጓዓዝ ኢዩ ብጥቆማ ሕብረተሰብ ብክትትል ኣካላት ፀፅታ ክተሓዝ ክኢሉ ዘሎ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ 900 ሺሕ ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ልባስ ጨርቂን 12 ኩንታል ዘይሕጋዊ ቡናን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ፡፡

ሓላፊ ዲቪዥን ፀፅታ ከባቢ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ኣደባ ዋና ሳጅን ሓጂ ጎበና፥ ተሳትፎ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ንግዲታት ንምክልኻል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብጌታቸዉ ሙለታ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.