Fana: At a Speed of Life!

ልዑል ገንዘብ ታክስ ንኽተርፍ ብምግባር 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ብላዕ እናተቐበሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር እቶት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ሚኒስቴር እቶት ክፍፀሙ ዝነበሩ ገበን ግዕዝይና ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ሕሶት ደረሰይ ጥራሕ እናሸጡ ሃፍቲ ሃገር ናብ ጅበኦም ናእተዉ ዝነበሩ 63 ትካላት ከምዘቃለዐ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስትሮም ዝርከቡ ናይ ውሽጢ ሰረቕቲ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሚኒስቴር እቶት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዳማ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ብላዕ ንምቕባል ዝተስማዕምዑ ቅድመ ክፍሊት 500 ሺሕ ብር እንትቕበል ኢድ ብኢድ ተታሒዙ ኢሎም።

ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሐፈት ትሑት ከፈልቲ ግብሪ ምብራቕ ኣዲስ ኣበባ እውን 5 ሚሊየን ብር ንምቕባል ተስማዕሚዖም ቀዳማይ ክፍሊት 200 ሺሕ ብር እንትቕበሉ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ኢዮም።

ኣብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ከፈልቲ ግብሪ ሞጀፖ ክልተ ኦዲተራት 12 ሚሊየን 12 ሚሊየን ብር ብላዕ ንምቕባል ተስማዕሚዖም ቀዳማይ ክፍሊት ብር 100 ሺሕ ንምቕባል ኣብ ከይዲ እናሃለዉ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ኢዮም ኢሎም።

ሎሚ እውን ካብቶም ዝተፀርሑ ስጉምቲታት ዘይተምሃሩን ናይ ውሽጢን ደገን ለያቡ ብዝተዋደደ መገዲ ሃፍቲ ሃገርን ህዝቢን ዝኾነ ገንዘብ ካብቲ ትካል ክተርፍ ብምግባር እዚ ንዝሰርሑሉ ውዕለታ 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ናብ ውልቀኦም ከእትዉ እንትብሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.