Fana: At a Speed of Life!

ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ተተኮስቲ ጠያይቲ ሓቢኣ ዝተረኸበት ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ከተማ ደብረ ታቦር ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ተተኮስቲ ጠያይቲ ሓቢኣ ዝተረኸበት ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለት ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ደብረ ታቦር ዋና ኢንስፔክተር ያለው ዘለቀ ከምዝገለፁዎ፥ እታ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክትውዕል ዝኸኣለት ትማሊ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ኢዩ።

ፖሊስ ካብ ሕበረተሰብ ብዝበፅ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብታ ከተማ ቀበሌ 02 ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ፍተሻ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ጠያይቲ ክላሽንኮቭ ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።

ተጠርጣሪት ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ ምርመራ እናተገበረላ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ምስቲ ጉዳይ ርክብ ዘለዎም ካልኦት ተጠርጠርቲ ንመሓዝ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ዋና ኢንስፔክተር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.