Fana: At a Speed of Life!

ልኡኾም ብጅግንነት ብምፍፃም ንዝተመለሱ ኣባላትን ኣመራርሓን ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኾም ብጅግንነት ብምፃም ንዝተመለሱ ኣባላትን ኣመራርሓን ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣብ ካምፕ ተወርዋሪ ሓይሊ ኮልፌ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ኣባላትን ኣመራርሓን ልዕሊ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዳጃት ተዋፊሮም ካብ ዝፀንሕሉ እንትምለሱ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ላዕለዋይ ኣዛዚ መምርሒ ገበን መላኩ ፋንታ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ግብረ ራዕዲ ኦነግ ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ ቄሌም ወለጋ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ሆሮ ጉድሩን ምዕራብ ሸዋን ኣብ ልኡኽ ፀኒሖም ንካሊእ ፖሊሳዊ ልኡኽ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝተዋፈርሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ እቲ ፀረ ሰላም ሓይሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድን ብምቁፅፃርን ብዙሓት ዓወታት ክሓፍሱ ከምዝፀንሑ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.