Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ንምዝታይን ሓገዝ ንምግባርን ናብ ትግራይ ኣቕኒዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ሓለውቲ ኣቦታት ሃይማኖት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መማኸርቲን ዘካተተ ልኡኽ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ንምዝታይን ሓገዝ ንምግባርን ናብ ክልል ትግራይ ከምዘቕነዐ ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሺ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።

እቲ ልኡኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታ ንምፅናሕ ናብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኸደ ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ መቐለ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ድማ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት እቲ ክልል ኣድሂቡ ምስ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝዛተ እቶም ዋና ፀሓፊ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዘጋጠሙ ፀገማት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ እምነት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣመልኪቱ ከምዝዝቲ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ልኡኽ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ እንታይ ክስራሕ ከምዝግበኦ ምስ ኣቦታት እምነት እቲ ከባቢ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ከምኡ እውን ምስ መንግስቲን ኣካላት ፀፅታን ልዝብ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ኣባላት እቲ ጉባኤ ዝኾኑ ትካላት ሃይማኖት እውን ስራሕቲ ሓገዝ ከምዝገብሩን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሃገረ ስብከታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዝመርሑ ሊቃነ ጳጳሳት ብኦንላይን ዘተኣኻኸቡዎ ሓገዝ ንሕብረተሰብ ከምዝልገስ እቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.