Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ልውውጥ ልምዲ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሰላምን ፀፅታን፣ ሓለፍቲ ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት ዘካተተ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ልውውጥ ልምዲ እናገበረ ይርከብ፡፡

እቲ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሮ ምግላፁ ሓበሬታ ሚኒስቴር ሰላም የመላኽት፡፡

ሞሮኮ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ህዝቢታትን ተኸባቢሮም ክነብሩ ብምግባር ኣብ ኣፍሪካ ጥንኩር ኢኮኖሚ ዝሃነፀትሉ መገዲ ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ልምዲ ከምዝኸውን እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ ራባትን ካዛብላንካን ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከቡ ታሪኻዊ፣ ባህላኻ ሃይማኖታዊን ትካላት ከምዝዕዘብ ተገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.