Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ግሎባል ሉኣላዊ ድርድር ዕዳ ተሳቲፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕላይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣብ ዘሳናደኦ መድረኽ ግሎባል ሉኣላዊ ድርድር ዕዳ ተሳቲፉ።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጂኦርጄቫ፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጄይ ባንጋን ናይቲ እዋን ኣቦ መንበር ጉጅለ-20ን ሚኒስትር ገንዘብ ብራዚልን ፈርናንዶ ሃዳድን ነቲ መድረኽ መሪሖምዎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)÷ ሽግሽግ ዕዳ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሞክሮ ኣካፊሎም፡፡

ሃገራት ዕዳአን ንምኽፋል ዝገብረኦም ፃሪታት እናተረኣዩ ብቕልጡፍ ግዜያዊ እፎይታ ክፍሊት ዕዳ ክግበረለን ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብቦርድ ፕሮግራማት ‘ኣይ ኤም ኤፍ’ ካብ ዝፀድቁ እዋን ጀሚሮም ኣብ ዘለዉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ከይዲ ምሽግሻግ ዕዳ ዝዛዘመሉ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ሓዱሽ ሓሳብ እውን ኣቕሪቦም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እውን ውፅኢታዊነት፣ ተገማታይነትን ኣድላይነት ግዘ ሰሌዳን ከይዲ ሽግሽግ ዕዳ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.