ልምዓት ደኒ መሰረት ዘላቒ ውሕስነት ምግቢ ንክኸውን ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 14 ዝነኣድ ዕለተ ዓለም “ደኒን ምግቢን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕሊ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ሃገራዊ ሽፋን ደኒ 23 ነ)ቢ 6 ሚኢታዊ ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም።
እዚ ኣሃዝ ሽፋን ደኒ ክሳብ 2030 ናብ 30 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ዋና ዳይሬክተር ለምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ከበደ ማሞ ብግደኦም፥ ሃፍቲ ደኒ ኢትዮጵያ ነክምዕብል፣ ዝዓረቑን ኣሲዳማ መሬታትን ንክምለሱ ቆላሕታ ከምዝተውሃበ ኣፍሊጦም።
ብጎህ ንጉሱ