Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ኮሪደር ከተማ ባህርዳር ፅባቐ ጣና ብዝበለፀ ዘጉልህ ኢዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ኮሪደር ከተማ ባህርዳር ፅባቐ ጣና ብዝበለፀ ዘጉልህ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቲ ልምዓት፥ ነበርቲ ምስ ተፈትሮኣዊ ፅሩይ ኣየር ጣና ኣብ ምቹእ ጎዳናታት ንክራኸቡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ባህርዳር እትፍለጠሎም ኣግራብ “ዘንባባ” መሊስካ ምልማዕ ካሊእ ተረቋሒ ስራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምትእንጋድ ሕቶ ምቕራባ ብምዝኽኻር፥ 52 ሺሕ ተመልከትትቲ ነክሕዝ ተገይሩ ዝህነፅ ዘሎ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህርዳር ቅድመ ሐዚ ዝተርኣዩ ፀገማት ብምምሕያሽ ዓለም ለኸ መዐቀኒታት ብዘማልአ መገዲ እቲ ህንፀት ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ህንፀት እቲ ስታዲየም እንትዛዘም ካብ ሜዳነት ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ብተወሳኺ ንሃወፅቲ ዘገልግል ንክኸውን ብምሕሳብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.