ልምዓት ኮሪደር ምዕባለ ከተማታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ-ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ዝትግብሮ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ምዕባለ ከተማታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።
ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ኣጀንዳታት እቲ ፓርቲን ዘቲዩ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘትኡ ኮሪደር ልምዓት ከተማታት ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እወንታዊ ወፅኢት ብምሓዝ ይትግበር ከምዘሎ ተራእዩ ኢዩ ኢሎም።
መንግስቲ ዝትግብሮ ዘሎ ኮሪደር ልምዓት ትልሚ ከተማታት ኣብ ግምት ከምዘእተወ ገሊፆም።
እቲ ጎስጓስ ኣብ ዝቕፅሉ 30 ዓመታት ክሳብ 70 ሚኢታዊ ህዝቢ ዓለም ከተመታይ ክኸወን ኢዩ ንዝብል ተሓሳቢ ዝገበረን ዘበናዊ ስርዓት ክታመ ናይ ምህናፅ ትልሚ ዘቐመጠን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ናብ ክልል ከተማታት ዝሰፍሐ በዚ መርኣዪ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ልምዓት ኮሪደር፥ ኤሌክትሪክ፣ ድልድይ፣ መገዲ ኣስፋልትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ምህናፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ናይቲ ትልሚ ስትራቴጂካዊነት ብግልፂ ዘርእይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።