Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓቢርካ ምልማዕ ማእኸል ዝገበረ ኢዩ- ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓቢርካ ምልማዕ ማእኸል ዝገበረ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር ) ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ምስ ሲ ጂ ቲ ኤን ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይውስኽ ምስ ምምፅኡ ተዛሚዱ በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ዘሎ ስግኣት ግልፅን እዋናዊን ኢዩ ኢለን።

እዚ እውን ሓበራዊ ተረባሕነት ማእኸል ዝገበሩ ዘተታትን ሂብካ ምቕባልን ስምምዕነታት ማእኸል ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሃገራት ኣፍሪካ ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ብዙሕ ስራሕቲ እናሰርሐት ምፅናሓ ገሊፀን።

ናፃ ቀጣና ነግዲ ኣፍሪካ ኣብ ዝግበር ናይ መሰረተ ልምዓት ምትእስሳር ኢትዮጵያ ብፅሒታ በምብርካት ናይቲ ረብሓ ተኻፋሊት ንምኻን ትሰርሕ ከምዘላ ኣረጋጊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.