Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ተፋሰስ ብምስፋሕ ሃፍቲ ሓመድና ንምዕባለ ንምውዓል ምርብራብ ይግባእ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ተፋሰስ ብምስፋሕ ሃፍቲ ሓመድና ንምዕባለ ንምውዓል ምርብራብ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሃገራዊ ጎስጓስ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ 2017 ዓ.ም ምጅማሩ ኣብሲሮም፡፡

ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ሸቶና ንምዕዋት በቢዓመቱ ልዕሊ 14 ሚልዮን ዜጋታት ብምስታፍ ሰፊሕ ተግባራት ልምዓት ተፋሰስ ብምውጋን ዘዕግብ ለውጢ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም።

“ዝተዋደደ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ተፋሰስን ብምትግባርና ንክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ናይ ምህናፅ ቆራፅነትና ኣርኢና” ኢሎም።

በዚ ድማ ዝዓረቑ ከባቢታት ድሒኖም፣ ምጉሕጓሕ ነክዩ፤ ሽፋን ደኒ ናብ 23.6 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ገሊፆጦም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ 4 ነጥቢ 1 ሚልዮን ሄክታር መሬት ዝካየድ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ተፋሰስን ብምዕዋት፤ ሓመድና ንምዕባለ ንምውዓል ኩሎም ኣካላት ብትግሃት ንኽረባረቡ ፀዊዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.