Fana: At a Speed of Life!

ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ንፎረም ጣና ናብ ባህርዳር ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ንፎረም ጣና ናብ ባህርዳር ኣትዮም።

ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌደራል ኣብይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

10ይ ዋዕላ ጣና ፎረም ኣብ ሰላም ኣፍሪካ፤ ኣብ ዙርያ ጉዳያት ደሕንነነትን ፀጥታን ዝመክር እንትኾን፤ ካብ 4ጥቅምቲ ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ እዩ።

እቲ ፎረም ትማሊ ነበር ፕሬዝዳንት ዛምቢያ ኬኔት ካውንዳ ብምዝካር ተሳሊጡ።

ኣብዚ መድረኽ ክሳተፉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣፍሪካ ናይ ሕዚን ነባራትን መራሕቲ ሃገራት፣ ተመራመርትን ፖለቲከኛታትን ናብ ባህርዳር ኣትዮም ኣለው።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.