Fana: At a Speed of Life!

ሌሊሴ ነሜ ምስ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ኣብ ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሌሊሴ ነሜ ምስ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ኣብ ሚኒስቴር ንግዲ ቻይና ሊዩ ዲያንክሰን ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ትካላት ዘሎ ምትሕብባር ብምሕዝነት ኢንቨስትመንትን ምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ኣብ ማሕራዊ ምትእስሳር ገፀን ፅሒፈን።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ቻይና ምእታዉ ይፍለጥ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቻይና ክዛተ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.