Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ወርሒ መስከረም ብኽፋል ተዓፂየን ክፀንሓ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም ብኽፋል ተዓፂየን ከምዝፀንሓ ላይለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ኣቢያተ ፍርዲ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ካብ 10 መጋቢት ክሳብ 10 ሓምለ 2012 ዓ.ም ብኽፋል ተዓፂየን ዝፀንሓሉ ኩነታት ንኽወፅኣን ተቛሪፆም ዝነበሩ ግልጋሎታት ብርኪ ብብርኪ ንምጅማርን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 10 ሓምለ 2012 ዓ.ም ብዘውፀኦ መምርሒመሰረት ዳያኑ ኣብ ወርሒ መስከረም ዕረፍቲ ንኽገብሩ ስለዝተወሰነ ኢዩ ተባሂሉ።

ዳያኑ ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ዓመታዊ ዕረፍቲ ስለዝወስዱ፥ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህፁፃት ዝኾኑ ጉዳያት ብታረኛታት መጋባእያ ብምትእንጋድ ብኽፋል ዕፁዋት ኮይኖም ንኽፀንሑ ብምግባር ዝተለመደ ኣሰራርሓ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

እተን ኣቢያተ ፍርዲ ዕፁዋት ኮይነን ኣብዝፀንሓሉ እዋን 20 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ህፁፃትን ግዘ ዘይህቡ ኬዛት መሰረታዊ መሰላት ከምኡ እውን ምስ ሰላምን ፀፅታን ርክብ ዘለዎም ጉዳያት ከምዝምልከቱ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.