Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይን ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብጁንታ ህወሓት ዝበፅሐ ጉድኣት ዑደት ኣካይዶም።

ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ዶክተር ኣብራሃም በላይን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስን ዝበፅሐ ዕንወት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ኣብቲ ዑደት ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ዘየሓስብን ካብ ህዝቢ ዝወፅአ ዘይመስል ጉጅለ ጥፍኣት ምዃኑ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መሰረተ ልምዓታት ዘብፀሖ ጥፍኣት ከምዘርአየ ተገሊፁ፡፡

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ዝርያ ካብ ምፍፃሙ ሓሊፉ ዝተረፈ ንብረት ንመፃኢ ወለዶ ከየገልግል ሰባቢሩን ካብ ጥቕሚ ቀ,ወፃኢን ገይሩ ከምዝሃደመ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ እውን ተመሳሳሊ ተግባር ምፍፃሙ ተገሊፁ።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲን ህዝቢን ዝኸፍአ ጉድኣት ምብፅሑ ገሊፆም፡፡

ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተግባር በሰላ ዝነበረት ከተማ ዓዲግራት ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላማ እናተመለሰ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ብሓፈሻ ዝበፅሑ ጉድኣታት ተፀኒዖም ንመንግስቲ ፌዴራል ቀሪቦም መፍትሒ ክወሃቦም ክግበር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ዑደተኛታት፥ ሰላም እቲ ከባቢ ንምሕላውን ዝፈረሰ ውዳበ መንግስቲ መሊስካ ንምጥያሽ ምስ መናእሰይ ከተማ ዓዲ ግራት ተዛቲዩ።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.