Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣትዮም ሪፖርት ንኽገብሩ ዝገበረኦ ፃውዒት ንግዚኡ ጠጠው ንኽብል ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመረቕቲ ተምሃሮ ካብ 23 ጥቅምቲ ጀሚሮም ነናብ ዩኒቨርሲቲኦም ኣትዮም ሪፖርት ንኽገብሩ ዝገበረኦ ፃውዒት ንግዚኡ ጠጠው ንኽብል ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ናይ መንግስቲ ዩኒቨርሲቲታት ንዝመሃሩ ስሩዕ ተምሃሮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ምኽንያት ንዘይተወሰነ እዋን ክድንጒ ከምዝተገበረ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዪኒቨርሲተታት ዝበፅሑ ተምሃሮ፤ ኣብ ቀፅሪ እተን ዩኒቨርሲታት ንኽፀንሑን ዝወሃቦም መተሓሳሰቢ እናተኸታተሉ ክንቀሳቐሱን ኣተሓሳሲቡ።

ክሳብ ሕዚ ካብ ገዝኦም ዘይተልዓሉ ተምሃሮ ድማ ኣብ ቀፃሊ ተለዋጢ ምልክታ ክሳብ ዝወፅእ ኣብ ዘለዉዎ ንኽፀንሑ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.