Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ፕላንንን ልምዓትን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኢኒስቲትዩት ቶኒ ብሌይር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ፕላንንን ልምዓትን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኢኒስቲትዩት ቶኒ ብሌይር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኢኒስቲትዩት ቶኒ ብሌይር÷ ኣብ ዓውዲ ምድላው ትልሚ፣ ክትትልን ገምጋምን ኢንቨስትመንት ከምኡ እውን መከላኸሊ ክሌማዊ ለውጢ ፋይናንስ ኣብ ምትእልላሽ ምስ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ብሓባር ከምዝሰርሕ ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ትካለን ዝሰርሖም ስራሕቲ ምትሕብባር ውጽኢት ዘምፅኡ ሓቃዊ መርኣያ ምትሕብባር ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እቲ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ (ዶ/ር) ብግደአን÷ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዘፈር ክትትልን ገምጋምን እቲ ሚኒስቴር እናሰርሖ ንዝርከብ ስራሕ ብቴክኒክ እናደገፈ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ መምርሒታትን ካልኦት ሓገዝቲ ሰነዳትን ብሓባር እናሰናድኡ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

ኢኒስቲትዩቱ ምስ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትሕብባር ከምዘጠናኽር ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቶኒ ብሌይር ኣብ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ማለዳ ብስራት ምርግጋፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.