Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብ ክልል ሶማሌ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብ ክልል ሶማሌ ኣቲዮም።

እቶም ላዕለዎት ሓፍቲ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ዝርከቡዎ ኢዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ክልል ሶማሌ እንትበፅሕ ርእሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ መሓመድ ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኡጋሳትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣቀባብላ ገይሮምሉ፡፡

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት÷ ብመስኖ ዝለምዐ ፍርያት ሩዝን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ክዕዘብ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ክልል ዝራእቲ ሩዝ ናይ ምልማዕ ወፍሪ ኣብ ዞባ ሸበሌ ምዕራብ ጎዴ ፕሮጀክት መስኖ ቤርኣኖ ኣብ ዝሕለፈ ወርሒ መጋቢት ከምዝተጀመረ ይዝከር።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.